ኖሺ ዳጆስታር ፕረሲደንት ጸጋማይ ሰልፊ ንምዃን ክትወዳደር ከም ትደሊን ን ጆናስ ኮስትስተድት ክትትክእ ከም ትብህግን ንማዕከናት ዜና ሽወደን ሓቢራ። “ጸጋማይ ሰልፊ ኣብ ታሪኽ ዝነበሮ ኣገዳስነት ከም ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዓቂብዎ ክኸይድ እያ ትደሊ” ክትብል ኖሺ ንኣገልግሎት ዜና ቲቲ ገሊጻ። ንሳ ወሲኻ ህዝቢ ኣብቲ ሰልፊ ዘለዎም ምትእምማን ብምውሳኽ ንመሰረቱ ከተስፍሖ መደብ ከም ዘለዋ ሓቢራ’ላ።
ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ቀረባ እዋናት ናብ የማን ገጹ ይዘብል ምህላዉን እዚ ድማ ንጸጋማይ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ዓብዪ ሃጓፍ ዝፈጥር ምኳኑን ድማ ኣመልኪታ። ዋና ተንታኒ ፖለቲካ ሬድዮ ኤኮት ቶማስ ራምብሪ ብወገኑ ኣብ መንጐ ኖሺን ኡላን ፍልልይ ከም ዘይረኣየ ገሊጹ’ሎ። ኖሺ ካብ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ትመጽእ ብምህላዋ ብዙሕ ኣተኲሮ ክትስሕብ ከም እትኽእልን ነቲ ሰልፊ ናይ ምሕዳስ ተራ ክትጻወት ከም እትኽእልን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።