ብ ሲ-ኣይ 4 (Sea-Eye 4 ) እትፍለጥ ጀርመናዊት ናይ ሂወት ኣድሕን መርከብ፡ ኣብ ወደብ ትራፓኒ፡ ሲስልያ፡
እዛ መርከብ፡ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝኣከበቶም (ዘድሓነቶም) ልዕሊ 800 ስደተኛታ ዝጸዓነት እያ።
እዛ መርከብ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚራ፡ ትዕሽገሉ ወደብ ከተናዲ ድሕሪ ምጽናሓ፡ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ወደብ ትራፓኒ ንኽትዕሽግ፡ ትማሊ ቀዳም፡ ፍቓድ ከምዝሃባ ጀርመናዊ ማሕበር ምትሕግጋዝ ሲ-ኣይ ገሊጹ።
ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት፡ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኮይኖም፡ ሓሙሽተ ነፍሰጾራት ዝርከበኦም እዮም ክብል እቲ ማሕበር፡ ገሊጹ።
ትማሊ ቀዳም፡ ሲ-ኣይ 4፡ ነቶም ስደተኛታት ዝኸውን መግብን ኮቦርታታትን ተቐቢላ።
ኦሻን ቫይኪንግ ዝተባህለት መርከብ ውን፡ 300 ስደተኛታት ጽዒና፡ መዐሸጊ ቦታ ንምርካብ ኣብ ባሕሪ ተንሳፍፍ ምህላዋ ተገሊጹ።