መንግስቲ ህንዲ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኢኹም ብምባል ንሮሂንጊያ ይገፎም ምህላዉ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ሓይልታት ጸጥታ ህንዲ ብዙሓት ዓሌት ሮሂንጋያ ብምቕያድ ናብ ቤት ማሕቡስ ክኣትዉ ምግባሮም ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ እዚ ኲነታት ነቶም ካብ ህልቂት ምያንማር ሃዲሞም ኣብ ህንዲ እተዓቚቡ ማሕበረሰብ እዚ ዓሌት ዓቢ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ ይብል። “ኣማኢት ዝኾኑ ሮሂንጋያ ንሒደት ዓመታት ኣብ ምዕራብ ቤንጋል ይቕመጡ ኔሮም እዮም። ኣብዛ ምምሕዳር መንግስቲ ክኣስሮም ምስ ጀመረ ግና ብዙሓት ክሕብኡ ጀሚሮም። ገሊኦም ድማ ናብ ባንግላደሽ ሰጊሮም ኣለዉ” ክብል ስደተኛ ሮሂንጋያ ናዚም ዑዲን ይገልጽ። ንሱ ኣብ ምዕራብ ቤንጋል (ህንዲ) ኣብ እትርከብ ገጠር ንሰለስተ ዓመታት ክቕመጥ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ ኣዲኡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ናብ ባንግላዴሽ ከም ዝሰገረ ይገልጽ። “እንተዝተሓዝ ኔረ ፖሊስ ህንዲ ምስ ስድራይ ናብ ቤት ማሕቡስ ኣእትዮም ናብ ምያንማር ምመለሱኒ ። ኣብ ምያንማር ዝኾነ ሮሂንግያዊ ዜጋ ውሕስነት የብሉን። ናብቲ ዝሃደምናሉ ሲኦል ክንምለስ ኣይንደልን ኢና። ስለዚ ድማ ናብ ምያንማር ካብ ዝምለስ ናብ ባንግላዴሽ ሰጊረ ኣለኹ” ይብል። ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ህንዲ ብዛዕባዚ ዓፈና ስደተኛታት ሮሂንጋያ ዝተሓተተ በዓል መዚ መልሲ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ። ኣስላም ሮሂብጋያ ብሰንኪ ኣብታ ዝበዝሑ ዜጋታታ ኣመንቲ ቡድሃነት ዝኾኑ ምያንማር ዘጋጠሞም ጎነጽ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ህንዲን ባንግላዴሽን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ክስደዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ህንዲ ክሳብ 40ሽሕ ሮሂንጋያ ብስደት ክቕመጡ ምጽንሖም ይፍለጥ።