ስዑዲ ዓረብ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኣቶ፡መግለጺ ኣቐዲሞም ቪዛ ዘይሓዙ ዜጋታት 49 ሃገራት ንልዕሊ 6 ወርሒ ዝጸንሐ ናይ 440 ሪያል ንዘይከፈሉን ናብ ሃገራ ክኣትዉ ከም ዘይተፍቅድ ገሊጻ’ላ። ትማሊ መስከረም 27 ስዑዲ ዓረብ ኣህጒራዊ መዓልቲ ቱሪዝም ምስ ኣብ ኒውደልሂ (ህንዲ ) ዝጽንብሎ ዘሎ ውድብ ንግድ ዓለም ብምዃን ከም እተኽብር ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት ብሓሙስ ዝወጸ ሓበሬታ ምስ ምኽባር እዚ በዓል ናይ ስራሕ ቪዛ ምሃብ ክጅመር ከምኡ’ውን ዜጋታት 49 ሃገራት ብዘይቪዛ ናብታ ሃገር ምንቅስቓስ ክጅምሩ እዮም ዝብል ተስፋታት ኣሎ እውን ተባሂሉ’ሎ።
ብዘይቪዛ ዝግበር ምንቅስቓስ ክሳብ 400 ሪያል ዝሓትት እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ን 360 መዓልታት ዘገልግል ኮይኑ ኣብታ ዓዲ ነፍሲወከፍ ን 90 መዓልታት ክትጸንሕ ዘኽእል እዩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ጀርመን ክሳብ 180 መዓልታት እውን ከጽንሕ ዝኽእል እዩ። ዜጋታተን ብዘይቪዛ ክንቀሳቐሱ ዝተፈቕደለን ሃገራት ኦስትርያ፥ በልጄም፥ ቸክ ሪፓብሊክ፡ ዴንማርክ፡ ኤስቶንያ፡ ፊንላንፍ፡ ፍራንስ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ሃንጋሪ፡ ኣይስላንድ፡ ጣልያን፡ ላትቪያ፡ ሌቸስተይን፡ ሊቱዌንያ፡ ላክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ሆላንድ፡ ኖርዌይ፡ ፖላንድ፥ፖርቱጋል፥ስሎቫክያ፥ስሎቬንያ፥ ስፔይን፥ሞናኮ፥ ኣንዶራ፥ ሩስያ ክኾና እንከለዋ ካብ እስያ ድማ ብሩኔይ፥ ጃፓን፥ ካዛኽስታን፡ ቻይና፥ ማሌዥያ እየን። ብዘይካዚ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ካናዳ፥ ካብ ኦሻንያ ድማ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን እየን።
ሙስሊም ዘይኮኑ በጻሕቲ ናብ መካን መዲናን ክኣትዉ ኣጥቢቑ ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ በይኖም ንዝጐዓዙ ትሕቲ ዕድመ’ውን ዘይፍቀድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።