ካብ ዕለት 01 ናይ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝኾኑ ሰባት፡ ዝተኸትቡ ጥራይ ክኾኑ ከምዝግባእ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብ መንግስታውያንን ውልቃውያን ትካላትን ኣብ መዘናግዒ ቦታታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ውን፡ ክታበት ከም ረቛሒ ክቑጸር ምዃኑ ብምውሳኽ ሓቢራ።
ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ 34 ሚልዮን ነበርቲ ከምዘለውዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ፡ 12 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ከምዝተጠቀመት ገሊጻ።
ክሳብ ሕጂ፡ 435 ሽሕ ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ከምዝተጠቕዑን፡ ካብዚኣቶም ድማ 7 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ይሕብሩ።