ብስነ ኣእሙራዊ ጸቕጢ ንዝሳቐዩ ሰባት፡ ብሃገር ደረጃ ሞያዊ ሓገዝ ዝህብ ተወሳኺ መስመር ቴሌፎን ንኽኽፈት፡ መንግስቲ ሽወደን፡ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ክብል ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከብ መስመር ተሌፎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ዝተደወልዎ 730 ሽሕ ጻውዒታት፡ ንሓደ ሲሶ ጥራይ ክምልስ ከምዝኸኣለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ተወሳኺ ብደረጃ ሃገር ዝወሃብ ናይ ተሌፎን ሞያዊ ሓገዝ፡ ነቲ ዝምለስ ብዝሒ ጻዊዒታት ዝውስኽ ኮይኑ፡ ተወሰኽቲ ሞያውያን ሰባት ዘቕርብን ክኸውን እዩ ክብል በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሓቢሩ።
በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝሰዓበ ዕጽዋ ክፈጥሮ ዝኽእል ስነ ኣእሙራዊ ጸቕጢ ብዝምልከት፡ ንመንግስቲ ወኪሉ መጽናዕቲ ከካይድን ተቐላጢፉ ምትእትታው ንኽገብርን ሓላፍነት ተዋሂብዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዋጋ ናይዚ ብደረጃ ሃገር ዝምስረት መስመር ሞያዊ ሓገዝ፡ ዓመታዊ፡ ካብ 15 ክሳብ 20 ሚልዮን ክሮነር ክሓትት ምዃኑ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።