ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ ቀውዒ፡ ካብ መዝነቱ ክሰናበት ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ዝወስዶ ዘለኹ ውሳኔ፡ ከቢድ’ኳ እንተኾነ፡ ቅኑዕ ውሳኔ እዩ ክብል፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።
ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብቲ ኣብ ሩኖ ኩሩስጎርድ (Runö kursgård)፡ ኦከሽባርያ፡ (Åkersberga) ዝገበሮ ናይ ክረምቲ መደርኡ፡ ብዛዕባ ክሊማ፡ ገበናትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ኣመልኪቱ ድሕሪ ምዝራቡ፡ ነዚ ንብዙሓት ሰልፍታት፡ ሃንደበት ዝኾኖም ፖለቲካዊ ውሳኔ፡ ዘመሓላለፈ።
ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ካልእ መራሒ ሰልፊ ሒዙ ክወዳደር ምዃኑ፡ ሎቬን፡ ሓቢሩ።
ሎቬን፡ ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 7 ሕዳር ዝካየድ፡ ናይ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ጉባኤ፡ ካብ መሪሕነት ክሰናበትን ንዕኡ ዝትክእ ድማ ክምዘዝ ምዃኑን ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪ’ዚ ድማ፡ ካብ መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ንኽእለ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን፡ ጠለብ ከቕርብ ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።
ክሳብ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዝምረጽ፡ ብዘለኒ ዓቕሚ፡ ንረብሓ ሽወደን ከገልግልን ክመርሕን ምዃነይ ግን ክገልጸልኩም እደሊ ክብል፡ ሎቬን፡ ዘረብኡ ዛዚሙ።