ጽልዋ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሽወደን ንዝነወሐ እዋን ዝጸንሕ እዩ። ንኹሉ ብምዕጻው ካብ ቫይረስ ክንገላገል ንኽእል ኢና ዝበሃል ሓሳብ ክትኣምኖ ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ቫይረስ እንደገና ክመጽእ ተኽእሎታት ከምዘለዎ እዩም ዝሕብሩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዝዝርጋሕን ንንውሕ ዝበለ እዋን ክጸንሕ ከምዝኽእልን ተረዲእና ነቲ ብበዓል መዚ ጥዕና ዝወሃበና መምርሒታት ብግቡእ ተኸቲልና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እዩ።
በዓል መዚ ጥዕና ንዘውጸኦ መምርሒታትን ሓበሬታታትን ጥሒሰን ዝሰርሓ ቤት መግብታትን ከምኡ ድማ ቤት መስተን ክዓጹ ሓላፍነት ከምዘለዎ ብምሕባር ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ጻዕቂ (ምጭቕጫቕ) ናይ ተሳፈርቲ ንኸይህሉ ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሽወደን ዝረአ ዘሎ ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዓቢ ክሳራን እዩ። ጻዕቂ ሕሙማን ንኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ከሸግር ዘየኽእል መንገዲ ዝዓነቱ ስትራተጂ ክንከይድ መሪጽና። ከም ውጽኢቱ ድማ ፡ ኣብ ትካላት ሓለዋ ጥዕና ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት፡ ተወሳኽቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝህባ ኣሃዱታት ክምስርቱ ክኢሎም።
ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ብጻዕቂ ሕሙማት እንተዝሽገር ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘይሰርሕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምሃለወና ይብል። ቅልጣፈ ለበዳ ቫይረስ ኮሮን ንምቁጽጻር ዝተኸተልናዩ መሰረታዊ ስትራተጂ ደሓን ዝኾነ ውጽኢት ሂቡና። ይኹን እምበር ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ጽቡቕ ኣይነበረን ክብል ሎቪን ኣብ መደምደምታ ናይቲ ሎሚ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።