ፍረታት፡ እቶም ቀንዲን መዓልታዊ ክንምገቦም ዝግባኣናን ምሉእ ጥዕና ንኽህልወና ዝሕግዙ እዮም። ፍረታታት ብዝያዳ ልብና ምሉእ ጥዕና ንኽህልዋ ይሕግዙ።
ካብ ጥንቲ ሕብረተ-ሰባት ንስምስም ብልምዳዊ ኣገባብ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ኣብ ምፍዋስ ተጠቂሞሙሉ’ዮም። ካብዚ ተበጊሶም ተመራመርቲ ኣብ ዝገበርዎ ምርምር፡ ስምስም ኣብ ወዲ ሰብ ዝለዓለ ጥቕሚ ከም ዘለዎ ኣረጋጊጾም።
ስምስም፡ ዝለዓለ ትሕዝቶ ካልስዩም፡ ማግነዝየም፡ ዚንክ፡ ፋይበር፡ ኣይሮንን ፎስፎሮስን ኣለዎ። እዚ ዓይነት እኽሊ ኣብ ትሕዝቶኡ ካብ ካልኦት ፍረታት ዝተፈለየ እዩ።
ኣብዚ ፍረ’ዚ ዝርከብ ትሕዝቶ ፋይበር፡ ኮሎስትሮል ኣብ ምቁጽጻር ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ። ሓደሽቲ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ድማ ስምስም፡ ጸቕጢ ደም ኣብ ምጉዳል፡ ጸላም ከብዲ ካብ ሕማም ኣብ ምክልኻል ልዑል ኣበርክቶ ይገብር።