ሽወደናውያን ሰራሕተኛታት ፋብሪካ፡ ንዕረፍቲ ዝወጹሉ ወቕቲ (ኢንዳስሪሰመስተር)፡ ብያታ ካብ ኣዋርሕ ሰነ ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ብምንባሩ፡ ኣብ እዋን ሳመር ዝበዝሑ ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ሸወደን ተዓጽዮም ከም ዝረኣዩ፡ ሬድዮ ሽወደን “ስለምንታይ እዮም ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕጹዋት ዝኾኑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና ገሊጻ። ኢንዳስሪሰመስተር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ግዜኡ ዝሓለፎ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ያታ ምኽንያት ብምግባር ዝበዝሑ ሽወደናውያን ኣብ ወርሓ ሓምለ ንዕረፍቲ ከም ዝወጹ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ። እንተኾነ ግና፡ ዝበዝሑ ሽወደናውያን ወቕቲ ዕረፍቶም ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ክኾና ይመርጹ ብምህላዎም፡ ሽወደን ቀስ ብቐስ እውን ይዂን ናብ ኣውሮጳዊ ስርዓተ ወቕቲ ትኣቱ ምህላዋ ዘመልክት እዩ—ብመሰረት ተመራማሪ ስነ ሕብረተሰብ ዮናስ ኤንግማን።