ሳሚ ተባሂላ ትፍለጥ ከልቢ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን መመላእታ፡ ኣብቲ ዝፈረሰ ገዛ ተዓቢጣ ግና ብህይወት ከምዝተረኽበት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ገዛ ኣብ ምምሕዳር ዋሺንግቶን ኣብ ስያትል ኣብ ዘጋጠመ መደረጋሕ ዝፈረሰ ምዃኑ እዩ ክፍለጥ ዝተኻእለ።
እቶም ሰብ ዋናታት ናይታ ኸልቢ፡ ኣብቲ ሓደጋ ዝሞተቶም ካልእ ሊሊ ትባሃል ከልቢ ዝነበረቶም ኮይኖም፡ ድሕሪ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ፡ መዓልታዊ ናብቲ ዝፈራረሰ ቦታ እንዳኸዱ፡ ነታ ጸላም ላብራዶር ዝዓሌታ ሳሚ ኢሎም ዝሰመዩዋ ከልቢ ሃሰስ እንዳበሉ ምናልባት እንተረኸቡዋ ብዝብል ተስፋ ይመላለሱ ከምዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
እቶም ኣብ ምድሓን ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት፡ ብሓሙስ ካብቲ ዝፈረሰ ገዛ ዝወጽእ ዝነበረ ድምጽታት ብምስምዖም ናብኡ ገጾም ብምድሃብ፥ እቲ ናይ ምድላይ ስርሖም ኣብ ሓደጋ ከይወድቆም ብምሕሳብ ድማ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኣገባብ ብናይ ኢድ መጋዝን ዝአመሰሉን መሳርሒታት ተጠቂሞም ነቲ መናድቕ ናይቲ ገዛ ብምቕዳድ ነታ ከልቢ ሓንቲ ጉድኣት ከይበጽሓ ከድሕንዋ ክኢሎም።
ን6 ማዓልታት ተቐቢራ እኳ እንተነበረት፡ ከምጸብጻብ እቶም ሓካይም ናይ እንስሳታት እንተኾይኑ፡ እታ ኸልቢ ምስ ሙሉእ ጥዕናኣ እያ ተረኺባ። ብቴሌቪዥን ኣብ ዝተሓላለፈ ተንቃሳቓሲ ምስሊታት፡ ሳሚ ነቶም ኣዝዮም ሕጉሳት ዝኾኑ ዋናታታ ምስረኣየት ብሓጎስ ጭራኣ እንዳወጣወጠት ተራእያ ከምዝነበረት’ውን ተሓቢሩ’ሎ።