እቲ ንሱዳን ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝመርሐ መንግስቲ ኣልበሽር ብምፍራሱ ሱዳናውያን ዓብዪ ሓጎስ እኳ እንተተስምዖም እዚ ዴሞክራስያዊ ሰውራ ገለ በዳህቲ ክርክራት ይገጥሞ ምህላዉ ተገሊጹ።
ካብዚ እቲ ቀንዲ እንታይ ዓይነት ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ሱዳን ይተኸል ዝብል ኮይኑ ዛጊት ብፍላይ ካብ ሃይማኖተኛታት እታ ሃገር ከቢድ ብድሆን ክትዕን ይገጥሞ ኣሎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ደጋፊ ኣልበሽብር ምዃኑ ዝፍለጥ ኢማም ኣብ ሰላት ኣጁምዓ ኣብ ካርቱም ንሰገድቲ ኣብ ዝሃቦ ኹጥባ “ናይ ሚካኤል ኣንጀሎ ስእሊ መፈጠር ኣዳም ኣብ መጽሓፍ መምሃሪ ቈልዑ ክኣቱ ይግበር ኣሎ!” ብምባል ነቶም ምእመናን ሆ ከም ዘበሎም ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ቤተመቕደስ ሲስቲን ዝተሳእለ ስእሊ ኣብ መምሃሪ መጻሕፍቲ ክኣቱ ዘይግብኦ ናይ ዘይኣመንቲ ትውፊት እዩ ክብል ኢማም መሓመድ ኣል ኣሚን እስማዒል ገሊጹ’ሎ። ኣገልግሎት ዜና ሱና ነዚ ካሪክለም ዝህንድስ ንዘሎ ሰብ ናብ ፕሮግራሞም ምእንጋዶም ድማ ብትሪ ነቒፍዎም። እዚ ንኢዘሀርነትን ካፍርነትን ዘተባብዕ ተግባር እዩ ድማ ኢሉ።
ድሕሪዚ ናይ ኢማም መሓመድ፡መደረ ብዙሓት ደገፍቲ ኣልበሽር ወፍሪ ተቓውሞ እዚ ካሪክለም፡ምጅማሮምን ድማ ተገሊጹ።
ዓብደላ ሓምዶክ ነዚ ካሪክለም ከም ዘደስከሎ ድማ ተመልኪቱ ኣሎ።