ሓደ ጒጅለ ሩስያውያን ዲፕሎማሰኛታትን ስድራቤቶምን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኣዝዩ ተሪር ናይ ኮቪድ ሕጊታት ንምህዳም ካብ ሰሜን ኮርያ ብዘይልሙድ ኣገባብ ብዓረብያ ምውጽኦም ቢቢሲ ገሊጻ።
እዞም ሸሞንተ ሰባት ኣቐዲሞም ብባቡርን ኣውቶቡስም ድሕሪ ምጒዓዝ ኣብ ዶብ ሩስያ ምስ በጽሑ ነቲ ዝተረፍ ሓዲ ኪሎሚትር ብ ዓረብያ ሲጊሮሞ ተባሂሉ።
ሰሜን ኮርያ ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ሰበብ ዝበዝሕ መጓዕዝያ ምእጋዳ ዝፍለጥ እዩ። እታ ሃገር ዛጊት በዚ ሕማም ዝተለኽፈ ዜጋ የብለይን ትብል እኳ እንተኾነት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ነዚ ብህሎ ከም ዝጠራጠርዎ እዮም ዝገልጹ።
ካብ ዓሚ ኣትሒዛ ሰሜን ኮርያ ዓረብያታት ካብታ ሃገር ከይወጻን ከይኣትዋኣን ከልኪላ እያ። ብዘይካዚ ዝበዝሕ ኣህጒራዊ በረራ ደው ኢሉ’ዩ ዘሎ።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም እዮም እዚ ስጒምቲ ዝወሰዱ ተባሂሉ’ሎ።