ሰሜን ኮርያ: ዘይተፈልጠ ዓይነት ሚሳይል ናብ ባሕሪ ምውንጫፋ ናይ ደቡብ ኮርያ ጥሙር ዋና ስታፍ ከሲሱ።
እዚ ሚሳይል ከም እተወንጨፈ ፈለማ ዝሓበረ ናይ ጃፓን ጒጅለ ሓለዋ ገማግም ኮይኑ: እዚ ኣጽዋር ባሊስቲክ ሚሳይል ክኸውን ከም ዝኽእል፥ እንተኾነ ግና ዛጊት ከጣልሎ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ’ሎ። ከም ዝፍለጥ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ፈተነ ሚሳይል ባሊስቲክን ኑክሌርን ከይትገብር ብ UN ዝተኸልከለት ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ዓመት: ብ ፕዮንያንግ እተኻየደ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ምውንጫፍ ምዃኑ ግና ኣረጋጊጻ’ላ። “ስለያ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ንተወሳኺ ዝርዝራት ብዝርዝር ይከታተሉ ምህላዎም” እቲ ጥሙር ጒጅለ ገሊጹ’ሎ። እዚ ሚሳይል ኣስታት 500 ኪሎሜትር ዝኸውን ርሕቀት በሪሩ ናብ ባሕሪ ከም ዝኣተው ን ሚኒስተር ምክልኻል ጃፓን ኖብዎ ኪሺ ብምጥቃስ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ።