ሰሜን ኮርያ፡ ትማሊ ሓሙስ ዕውት ፈተነ ‘ሞንስተር ሚሳኤል’ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ሚሳኤል ከም ዘካየደት ኣፍሊጣ።
እቲ ‘ዋሶንጎ-17 [Hwasong-17] ብዝብል መጸውዒ ኣዝዩ ዝፍለጥ ኣብ 2020 ዝተምሃዘ ኣጽዋር፡ ቅድም ክብል ንተዓዘብቲ እቲ ዓውዲ’ውን ኣገሪሙ ነይሩ ተባሂሉ።
ድሕሪ 2017 እዚ ዓይነት ሚሳኤል ኣይሲቢኤም፡ [ICBM] ክትፍትን ንፈላማ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
ኣይሲቢኤም፡ ዝበል ዓይነት ኣጽዋር ሚሳኤል ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ሚሳኤል ኮይኑ፡ ኣብ ምድሪ ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ እዩ ዝንገር።
ሰሜን ኮርያ፡ እዞም ዓይነታት ኣጽዋር ከይትፍትን ዝተኸልከለት ኮይና፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊኣ ሓያሎ እገዳታት ተነቢሩላ ጸኒሑ እዩ።
መንግስታዊ ሚድያ እታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ እቲ ፈተነ ካብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን- ብቐጥታ ትእዛዝ ዝተገብረ ኾይኑ፡ ንውግእ ኣጽዋር ኒኩሌር ዓሊሙ ዝተሰርሐ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
ኣብ ‘ካርነጂ ኢንደውመንት ፎር ኢንተርናሽናል ፒስ’፡ ዝሰርሕ ኣንኪት ፓንዳ ዝተባህለ በዓል ሞያ፡ ኣብ ጉዳይ ኣጽዋር ኑክሌር ንሰሜን ኮርያ እዚ ዓቢ ስጉሚ ኢልዎ።
“እቲ ፈተነ ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዩ ተኻይዱ፤ ሰሜን ኮርያ ኣብ ውግእ ኑክሌር ዓቢ ዝላ ተመጽእ ከም ዘላ ዘመልክት እዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
BBC TIGRINJA