ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘሎ ዘይተኣማንነት፡ ቀጻሊ ከምዘሎ መራሒ ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ጂሚ ኦክሶን፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሰልፊ ስቬርያ ዲሞክራትና፡ ኣብ ልዕሊ ብስቴፋን ሎቪን ዝምራሕ መንግስቲ ሽወደን፡ ዘለዎ ትሑት እምነት ብዘይ ለውጢ፡ ከምቀደሙ ይቕጽል ከምዘሎን ኣባላት ጸጋማይ ሰልፊ ድማ ቅድሚ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ውድቀቶም ዘስተማቕሩ፡ ባዕሎም እንተ ዘንሳሕቡ ምሓሸ ክብል፡ ኦክሶን፡ ገሊጹ።
ሎሚ ሰኑይ፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ዘሎ እምነት ብዝምልከት (no-confidence)፡ ድምጺ ክወሃብ ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ መስርሕ ድምጺ፡ ብምኽንያት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓደስቲ ፍርያት ዘሎ ነጻ ናይ ክራይ መስርሕ ንምምርማር ተባሂሉ ዝተበጋገሰ ሓድሽ እማመ ምርኩስ ዝገበረ ምዃኑ ዝምልከቶም ወገናት ይሕብሩ።
ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘሎኒ እምነት፡ እናጎደለ ይመጽእ ኣሎ ክብል መራሒ ጸጋማዊ ሰልፊ፡ ኖሺ ዳድጎስታር፡ ገሊጹ።