ብመሰረት መራሒ ሰልፊ ሞደራተርና፡ ኡልፍ ክሪስተሾን፡ መንግስቲ፡ ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ መወዳእትኡ ዘይቁርዑይ ውሳነ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ናይ ኮቪድ -19 ምስክር ክታበት፣ ዳሕራይ ዘይኮነ፣ ብሰፊሑን ብቐጥታን ክተኣታቱ ይግባእ ኢሉ ከምዝነቐፎ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ እቶም ዘይተከትቡ ንክኽተቡ ‘ዩ፣ በዚ ከኣ ካብ ሓድሽን ዝሰፍሐን ዕጽዋ ንድሕን። ስለዚ፣ ከምዝመስለኒ፡ እቲ መንግስቲ ግጉይ ዝኾነ ኣጀማምራ ተኸቲሉ ኣሎ ክብል፡ ኡልፍ ክሪስተሾን፡ ንማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ክንዲ ምስክር ክታበት ካብ ትያትር፡ ኣብያተ ምርኢት፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት ወጻኢ ዝኾኑ ቦታታት ንምጥቃም ተባሂሉ እማመ ካብ ምቕራብ፡ ከምቲ ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብነታት ንኽጥቀም ዝሓገገ፡ ኣብ ካልኦት ንጥፈታት ውን ክንሰርሓሉ ይግባእ ብምባል ብቐጥታ መምርሒ ከመሓላልፍ ይግበኦ ነይሩ፡ እዚ እየ ድማ ኣነ ዝኣምነሉ ክብል ገሊጹ።
ተተ፣ ኣብ ክንዲ ዓሰርተ ወይ ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ምጽባይ፡ ነቲ መምርሒ፡ ሕጂ ክንጥቀመሉ ይግባእ በሃላይ ዲኻ፧
እወ፣ ብፍላይ ኣብ ደረጃ ክልተ ዘይምእታው፣ ንሳቶም መጀመርያ ካልኦት ቡዙሓት ነገራት ገይሮም ‘ዮም፣ ቕድሚ ብስፍሓት ምስክር ክታበት ምጥቃም ምድላዮም።
ንሕና ምስክር ክታበት ኣለና። እዚ ብተወሳኪ ሓያል መሳርሒ ‘ዩ። ብዙሓት ሰባት ምእንታን እዚ ምስክር ክረኽቡ፡ ክክተቡ ክደልዩ እዮም። ንኣብነት ናብ ኣብያተ መግቢ፡ ስፖርታዊ ኣደራሻትን ካልኦት ቦታታትን ንኽኣትዉ ኢሎም፣ ክብል መራሒ ሞደራትና ተዛሪቡ።
ሰልፊ ሞደራትና፡ ሰባት፡ ንክኽተቡ መስርሕ ጎስጓስ ክሕይልን፡ ምጥቃም ምስክር ክታበት ብሰፊሑ ክተኣታቶን ካብ ነዊሕ እዋን ክጽውዕ ምጽንሑ ይፍለጥ ድሕሪ ምባል፡ ብፍላይ ድማ፡ምትእትታው ምስክር ክታበት፡ ዓቢ ፍልልይ ክገብር ከምዝኽእልን እቲ ሰልፊ ዝኣምነሉ ምዃኑ ጠቒሱ።