ናብ ቤት ጽሕፈት ጉምሩኽ ብምስባር 6.5 ሚልዮን ዩሮ (ማለት 7.6 ሚልዮን ዶላር) ዝሰረቑ ሰባት ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ምህላዎም ጀርመናውያን መርመርቲ ሓቢሮም።
እዚ ምስባር ብሰብ ሞያ ዝተፈጸመን ብዙሕ መጽናዕቲ ዝተገብረሉን ብስነ ስርዓት ዝተወጠነን ምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ኣመልኪቶም ኣለዉ። ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ዛጊት መንነቶም ዘየተፈለጡ ዝበሎም ሰለስተ ሰረቕቲ፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ጎሮቤት ዘላ ገዛ መኹዓቲ ተጠቂሞም ናብታ ገንዘብ ተቐሚጥዋ ዝነበረት ኣብ ትሕቲ መሬት እትርከብ ናይ ጉምሩክ ገዛ ብምኹዓት ወሪዶም 6.5 ሚልዮን ዩሮ ጥረ ገንዘብ ምስራቖም ድማ ገሊጹ።
እዚ ናይ ስርቂ ፍጻሜ፡ ኣብ ምዕራባዊት ከተማ ድዊስበሪ (Duisburg) ብሰንበት መዓልቲ ዕለት 01 ሕዳር ዘጋጠመ ኮይኑ፡ መሰኻኽር፡ ድምጺ ትራፓኖ ኣብ ከባቢ ሰዓት 6 ናይ ንግሆ ከምዝሰምዑን ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት ድማ ሰለስተ ጸሊም ክዳንን ማስኬራታን ዝተኸድኑ ሰባት ካብን ናብን እቲ ህንጻ እንዳ ተመላለሱ ናብ መኪና ገለ ነገር ክጽዕኑ ከምዝረኣዩ ሓቢሮም። ብድሕሪኡ ነታ መኪና ሒዞም ከይዶም።
ፖሊስ፡ ብሓደ ካብቶም መሰኻኽር፡ ዝተወስደ ስእሊ ናይቶም ገበነኛታት ብምዝርጋሕ፡ ነዞም ገበነኛታት ንምሓዝ ዝተሓባበር ሰብ፡ ናይ 100 ሽሕ ዩሮ ሽልማት ክወሃብ ምዃኑ ሓቢሩ።