ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ናዕቢ ንኽካየድ እውድብ ኔረ ክብል ጋዜጠኛ ቤላሩስ ሮማን ፕሮታሰቪች ን ተሌቪዥን እታ ሃገር ዝሃቦ ቃል ብመንግስቲ ብርቱዕ ምፍራራህ ስለ ዘጋጠሞ እዩ ክብሉ ቤተሰቡ ገሊጾል ኣለዉ።
26 ዝዕድሜኡ ፕሮታሰቪች ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሊቱዌንያ ክገብሮ ሓሲቡ ዝነበረ ጒዕዞ ነፋሪት ብምትእጒጓል መንግስቲ ቤላሩስ ኣብ ከተማ ሚንስክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዎ ዝዝከር እዩ።
ንሱ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ንብዓት እናሰዓሮ ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት ን ፕረሲደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ካብ ስልጣን ክኣሊ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ተናዚዙ ኣሎ። ብዘይካዚ ንፕረሱደንት ሉካሼንኮ ኣድናቖት ከም ዘለዎ እውን ገሊጹ’ሎ።
ፕሮታሰቪች ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ዋና ኣሰናዳኢ ቻነል ኔክስታ ኮይኑ ከም ዝሰርሐ ይፍለጥ። መንግስቲ ቤላሩስ ብግብረሽበራ ይድለዩ እዮም ካብ ዝበሎም ዝርዝር ኣስማት ከም ዝነብረ እውን ተመልኪቱ።
ፕረሲደንት ሉካሼንኮ ብ 9 ነሓሰ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከም እተዓወተ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ቤላሩስ ዓብዪ ህዝባዊ ናዕቢ ከም እተኸስተ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ድሕሪ ዘካየዶ ዓፈና ዛጊት ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወረዱ ድማ ተገሊጹ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ተቓውምቲ መንግስቲን ኣብ ምናቱ ናይ ምስቓይ ምልክት ይረአ ምንባሩ ብምሕባር ብቕልጡፍ ክፍታሕ ሓቲቶም ኣለዉ።