ኣካል ህዝባዊ መራኸቢታት ዝኾነት ሬድዮ ሽወደን፥ ካብ ሶሻል ሚድያ ትዊተር ክትወጽእ ምውሳና ተፈሊጡ። ሬድዮ ሽወደን ካብ
ትዊተር ክትወጽእ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፥ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ኲባንያ ዘለዎ ኣገዳስነት ዝተሓተ ብምዃኑ እዩ ክብል ሓላፊ
ጒዳያት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ሬድዮ ሽወደን፥ ክርስቲያን ጊሊነር ኣመልኪቱ። እዚ ውሳነ፥ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ትዊተር ን
ሕሳብ ሬድዮ ሽወደን ሓዊስካ ካልኦት ሚድያታት “ብመንግስቲ ዝምወላ” ዝብል ምልከታ፥ ምንም ዘራኽብ የብሉን ክብል
ምምሕዳር ሬድዮ ሽወደን ኣረጋጊጹ’ሎ።
ሕሳብ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን፥ ብኦንላይን ክቕጽል እዩ ዝበለ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፥ እንተኾነ ግና ዝኾነ ካልእ ሰብ በዞም
ኣስማት ሕሳባት መታን ከይጥቀም እቲ ሕሳብ “ልኡም (inactive)” ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ክግበር እዩ–ብመሰረት ሓበሬታ
ሓላፊ ጒዳያት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ሬድዮ ሽወደን ክርስቲያን ጊሊነር።