ሓላፊ ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ነበር፡ ፓትሪስ -ኤድዋርድ ንጋይሶና፡ ነቲ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበነኛታት ዝቐረበሉ ክሲ፡ ኣይወዓልኩዎን ብምባል ናይ ክሕደት ቃል ሂቡ። ንጋይሶና ነቶም ኣንጻር ኣስላም፡ ቅትለት ዝፍጽሙ ዝነበሩ ዕጡቓት፡ ጸረ ባላካ፡ ዝመርሕ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፡ ዝኾነ ገበን ኣይፈጸምኩን ክብል ቃሉ ሂቡ’ሎ። ኣብ 2013/4 ንሱን ኣልፍረድ ያካቶምን ኣንጻር ኣመንቲ ምስልምና እታ ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍጻም እዮም ተኸሲሶም። ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከቢድ ጎነጽ ኣትያ ክልተ ሲሶ ካብ መሬታ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ 2013 ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ ነቶም ብቚጽሪ ዝበዝሑ ክርስትያናት እታ ሃገር ክመርሑ ምስ ጅመሩ እዛ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ዓዲ ናብ ከቢድ ቅልውላው ከም እተሸመት ይፍለጥ። ድሕሪዚ ጸረ ባላካ ዝተሰምየ ናይ ክርስትያን ሚሊሻ ኣስላም ክቐትሉን ከጋፍዑን ጀሚሮም። እዞም ክልተ ሰባት ብቕትለት፥ ምስቓይን ቈልዑ ብምዕስካርን እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ። ንጋይሶና ነዞም ኣንጻር ኣስላም መጥቃዕቲ ዝገብሩ ዝነበሩ ዕጡቓት ናይ ገንዘብ ሓገዝን ናይ ምኽሪ ኣገልግሎትን ከም ዝሃበ ኣብቲ ክሲ ተገሊጹ’ሎ። እቲ ዝያዳ ብራምቦ ዝፍለጥ የካቶም ኣብ ባንግዊ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት መራሕ ኲናት ምንባሩን ብዙሓት ሲቪላውያን ከም ዝቐተለን ተኸሲሱ እዩ ናብ መጋባእያ ቀሪቡ ዘሎ። እዞም ክሱሳት ኣብ መንጐ ዕጡቕን ዘይተዓጥቀን ብዘይ ኣፈላላይ ንዂሉ ኣስማላይ እታ ሃገር ወተሃደራዊ ዒላማ ጌሮም እዮም ዝበሉ ኣኽበርቲ ሕጊ ምሕራድን ንሰባት ብህይወቶም ምቕባርን ዝመሰሉ ኣዝዮም ኣሰቀቕቲ ኣገባባት ቅትለት ይፍጽሙ ኔሮም ክብሉ ኣብቲ ክሲ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ክልቲኣቶም ተኸሰስቲ ነቲ ገበናት ኣይወዓልናዮን ክብሉ ቃሎም ሂቦም ኣለዉ።