ኣብ ደቡባዊ ከተማ ኬርሶን ዘሎ ኲነታት “ኣሸጋሪ” ምዃኑን፡ ነበርቲ ክግዕዙ ምዃኖምን ኣዛዚ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ገሊጹ። ሰራዊት ዩክሬይን ሮኬታት ‘ሂምራስ” እናተጠቕሙ ንትሕተ ቕርጺን ኣባይቲን እታ ከተማ የዕንዉ ኣለዉ ክብል ጀነራል ሰርጌይ ሱሮኪቪን ንተሌቪዥን ሩስያ ገሊጹ’ሎ።
እዚ ብጀነራል ሰርጌይ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ድሒሩ ብ ሩስያዊ ተመዛዚ ዞባዊ እዚ ክሪስቲል ስትረምሶቭ እውን ከም እተደግመን ሰራዊት ዩክሬይን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ከተማ መጥቃዕቲ ከካይድ ስለዝኾነ ነበርቲ ኬርሶን ክጥንቀቑ መልእኽቲ ምትሕልላፉን ተፈሊጡ።
“ብጥንቃቐ ስምዑ፡ ነበርቲ እዛ ከተማ ብዝቐልጠፈ ክግዕዙ ክግበር ክኽእል ኣለዎ” ክብል ብ ኣገልግሎት ተለግራም ኣብ ዝለኣኾ ጽሑፍ ድሕሪ ምሕባር፡ ብፍላይ ብ ምዕራባዊ ገማግም ሩባ ድንዬፐር ዘለዉ ኣብ ከቢድ ስግኣታት ምህላዎም ወሲኹ ገሊጹ–ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ።