ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ዝርከባ ብርክት ዝበላ ኲባንያታት፡ እናነሃረ ንዝመጸ ጠለብ ጸዓት ኤለትሪክ ንምምላእ፡ ናይ ንፋስ ጸዓት ከልምዓ ድሌት ከም ዘለወን ገሊጸን ኣለዋ። እንተኾነ ግና፡ እዘን ኲባንያታት ምስ ሓምላይ ሰውራ ዝሰማማዕ ናይ ንፋስ ጸዓት ንምህናጽ፡ ዘድልየን ናይ ውጥን ፍቓድ ይድንጒ ብምህላዉ፡ ንምልማዕ ሓምላይ ፕሮጀክቲታት ኢንዱስትሪ ሰሜን ሽወደን ዕንቅፋት ይኸውን ምህላዉ፡ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።”ኣብ ምውዳእ እዚ መስርሕ፡ እዚ ውጥን ከም ዘይሰርሕ ክነግሩኻ ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ” ክትብል ምክትል ዋና ኣካያዲት ስራሕ ያምክራፍት፡ ዪልቫ ኣንደርሾን ገሊጻ’ላ።