ፈረንሳን 15 ኣውሮጳውያን መሻርኽታን ካናዳን ነቲ ኣብ ማሊ ክዋፈር ዝዳሎ ዘሎ ዕሱብ ሓይሊ ሩስያ ኮኒነን። ንሳተን እዚ ሓይሊ ነቲ ብሰንኪ ምንቅስቓስ ጂሃድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሕማቕ ጸጥታዊ ኲነታት መሊሱ ዘጋድ ክኸውን እዩ ክብላ ነቲ ፍጻሜ ገሊጸንኦ ኣለዋ።
እዚ ዕሱብ ሰራዊት፡ ካብ ሞስኮ ሓገዝ ከም ዝገብረሉ ብምጥቃስ፡ እዘን ምዕራባውያን ሃገራት ንመንግስቲ ሩስያ ከሲሰን ኣለዋ። ሩስያ ብወገና ምስዚ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ኲባንያ ምንም ርክብ ከም ዘይብላ ብምኽሓድ ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶላ።
ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ጒዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብምልዓል ኣብ ጒጅለ ቫግነር እገዳታት ምጽዓና ዝፍለጥ እዩ። ዕሱብ ወተሃደራዊ ጒጅለ ቫግበር፡ ኣብ 2014 እዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ስርሒቱ ኣካዪዱ። ኣብቲ ዓመት ንደገፍቲ ሩስያ ዝኾኑ ስርዓታት ንምሕጋዝ ተዋፊሩ። ድሕሪዚ ኣብ ሃገራት ሊብያ፥ ሱዳን፥ ሶርያን ማእከላይ ኣፍሪቃን ወተሃደራዊ ስርሒታት ምክያዱ ጸብጻባት የመልክቱ።