ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ክታበት ሞደርና፡ ድሕሪ እታ ካልኣይቲ ብልቃጥ ክታበት ምውሳድ፡ ካብ 4 ክሳብ 6 ኣዋርሕ ከምዝጸንሕ፡ ኩባንያ መፍረ ክታበት ሞደርና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ክታበት ፋይዘር-ቢዮንቴክ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኣዋርሕ፡ 6% ካብ ምክልኻል ዓቕሙ ዘጥፍእ ኮይኑ፡ ኣብ መበል ሻድሻይ ወርሒ ድሕሪ ካልኣይቲ ክታበት፡ መጠን ምክልኻል ዓቕሚ’ቲ ክታበት፡ 84% ከምዝበጽሕ ጸብጻባት ሮይተርስ ይሕብሩ።
ዝበዝሑ ትሕቲ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ተቐማጦ ሽወደን፡ ክታበት ፋይዘር-ቢዮንቴክ ዝወሰዱ ምዃኖም ይፍለጥ።
ንመጠን ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ክታበት ንምውሳኽ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ንምኽታብ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ፡ ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ተታሒዙ ዘሎ መደብ ሳልሳል እብረ ክታበት፡ ንገለ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ኣብ ምጅማር ወቕቲ ቀውዒ ክወሃብ ምዃኑን ነቲ ዝተረፈ ክፋል ድማ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክወሃብ ምዃኑ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ መጠን ምክልኻል ዓቕሚ ናይቲ ክታበት ከምዝጎደለን ዝተኸትቡ ሰባት ድማ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮሮና ከምዝሓመሙን ዘረጋግጹ መርትዖታት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽቡ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።