ምስ ክብሪ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ኣመልኪቱ ቤት ፍርዲ ሽወደን ንፈለማ ግዜኡ ኣብ ፍርለን ሓድሽ ሕጊ ንፈተነ ከተኣታቱ እዩ። 46
ዝዕድሜኡ ሓደ ሰብኣይ ምስ ስድራቤታዊ ክብሪ ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ነበር ብዝፈጸሞ ግፍዒ ተጠርጢሩ ናብ ፍርዲ
ይቐርብ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ ናብዛ ሰበይቱ ነበር ኣዝዩ ዘፈራርህ ናይ ተሌፎን ጻውዒታት፡ ናይ ጽሑፍን ድምጺን መልእኽቲታት ክሰድድ
ምጽንሑ ጭብጢታት ከም ዘለዋ ጠበቓ ክሪስቲና ሄል ብራን ትገልጽ። እዞም ናይ ምፍርራህ መልእኽቲታት ካብ ሓደ ሳዕ ንላዕሊ
ዝተገብሩ እንተኾይኖም ን ሰዳዲኦም ምስ ክብሪ ስድራ ብዝተሓሕእዝ ክሲ ንምቕራብ እኹል ምዃኖም እዩ ዝግለጽ። እዚ ሰብኣይ
ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ን በዓልቲ ቤቱ ነበር ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት መልእኽቲታት ክሰደላ ምጽንሑ ተፈሊጡ’ሎ። ተጠርጣሪ
ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ብሰንኪ እታ ጓለንስተይቲ ንዝዓነወ ክብሪ ስድራቤቱ ንምሕላው ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ቅድሚ ሓደ ዓመት
እቲ ሕጊ ካብ ዝቕየር ንደሓር፥ 116 ምስ ክብሪ ስድራቤት ዝተኣሳሰሩ ገበናት ከም ዝተፈጸሙ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።