ምምሕዳር ኦፕሳላ ንዝመጽእ ዓመት ማሕበራዊ ድሕነት 700 ሚልዮን ክሮና መዲቡ ተባሂሉ። ምምሕዳር ከተማ ኣፕሳላ ንዝመጽእ ዓመት ናይ ማሕበራዊ ድሕነት ስርዓት፡ ብፍላይ ኣብ ምሕጋዝ ደለይቲ ስራሕን ኣብያተ ትምህርትን ናይ 700 ሚልዮን ክሮና ባጀት ምምዳቡ ተፈሊጡ። ወከልቲ ሰልፊታት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ሊበራልን ኣከባቢን ኣብ ዝተረኽቡሉ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ እዚ ናይ 700 ሚልዮን ክሮና ባጀት ምምዳቡ ዝተፈልጠ።
እዚ ብዘይ ምቕራጽ ዝግበር ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ። ብጠቕላላ ኣብ ምድላይ ስራሕ 45 ሚልዮን ክሮና 28 ሚልዮን ከኣ ኣብ ኣባይቲ ክውዕል እዩ። ገለ ካብዚ በጀት ኣብ ምክልኻል ጎነጽ ስድራቤት ክውዕል ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ።
ሰብመዚ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዓመተ 2025 ኣብ ኲለን ኣባይቲ ብጸሓይ ዝሰርሕ ጸዓት ከእትዉ መደብ ከም ዝሓዙ”ውን ተገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ኣብ ምስፋሕ ብዙሕነት ህይወት ምዕቃብ ከባቢ ምስፋሕ ህንጸት ቲምበርን ካላ ዓበይቲ ውጥናትን ከም ዘለዎ እውን ተመልኪቱ’ሎ።