ኣብ መፈርቕ ወርሒ ግንቦት፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ሓፈሻዊ ክታበት ክትጅምር ምዃና ሓቢራ። ካብ ዕለት 17 ወርሒ 5 ጀሚሮም፡ እቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ ክኽተቡ ዝተባህሉ ክፋል ሕብረተሰብ፡ ቆጸራ ክሕዙ ክኽእሉ እዮም ክብል እቲ ምምሕዳር ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ነፍሲ ወከፍ ልዕሊ ዕድመ ዝኾነ ነባሪ ናይዚ ምምሕዳር፡ እጅግኡ ሰብሲቡ፡ ንኽታበት ድልው ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ነፍሲ ወከፍ ብልቃጥ ክታበት፡ ሂወት ናይ ምድሓን ዓቕሚ ክህልዋ ስለዝኽእል ክብል ዞባዊ ዳይሬክተር እቲ ምምሕዳር፡ ኦልፍ ዮሃንሶን፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 30% ካብ ጠቕላላ ድምር ናይቶም ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ነበርቲ፡ ክታበት ክኽተቡ እንከለዉ፡ እዚ ድማ 330 ሽሕ ሰባት ኮይኑ፡ እቶም 9% ናይዚ ቁጽሪ ድማ ምሉእ ክታበት ዝተኸትቡ ምዃኖም ትማሊ ሰሉስ ዝወጹ ስታቲስቲካዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ መዓልታዊ ክሳብ 600 ሰባት ብኮሮና ዝልከፉ፡ 138 ሰባት ድማ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡን 28 ሰባት ድማ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም እዮም። ክሳብ ትማሊ ሰሉስ፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት፡ 1697 ምብጽሑ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።