ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ብዘይ መሰነይታ ካብ ዩክሬይን ንዝሃደሙ ቆልዑ ንምቕባል ድሉዋት ይኾና ኣለዋ ተባሂሉ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ክሳብ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣስታት 6000 ዝኾኑ ቆልዑ ብዘይ ወለዲ ወይ መዕበይቲ ክመጹ ከም ዝኽእሉ ገሊጹ’ሎ።
ኲሎም ብዘይ-መሰነይታ ናብ ሽወደን ዝመጹ ቆልዑ ምስ ሰብ መዚ ዝህልዎም ጒዳያት ንኽውድኡሎምን ትምህርቶም ንኽቕጽሉን መጽለሊን መዕበዪን ክምደበሎም ምዃኑ እውን ገሊጾም ኣለዉ።