መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት (Government Offices) ከም ሓደ ኣካል ናይ መንግስቲ ዝዓዪ ኮይኑ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ከይዲ ምሕደራ እታ ሃገር ዝድግፍን እቶም ፖሊሲታት ናይታ ሃገር ንኽዕወቱን ዝሕግዝን መንግስታዊ ትካል እዩ።
መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት፡ ንቢሮ ቀዳማይ ሚኒስቴር፣ ነቶም ካልኦት ሚንስትሪታትን ንቢሮ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ዘካትት ኣካል ናይቲ መንግስቲ እዩ። እዚ ቢሮ’ዚ፡ ናብ 4,500 ዝጽግዑ ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ኾይኑ፡ ካብዚኣቶም እቶም 200 ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት እዮም።
ለውጢ ናይ መንግስቲ ምስዘጋጥም፡ እዞም ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት ካብ ስርሖም ክሰናበቱ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ቁጹራት ሰራሕተኛታት ግና ኣብ ስርሖም ይቕጽሉ።
እቲ ቢሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ኣብቲ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ዝካየድ ስራሕ ዝመርሕን ዘዋሃህድን ኮይኑ፡ ሽወደን ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝህልዋ ፖሊሲ’ውን ናይ ምውህሃድ ሓላፍነት ኣለዎ።
ሕድሕድ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ነናይ ባዕሉ ሚኒስተር ኣለዎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ሓደ ሚኒስትሪ ንዝተወሰኑ ዋኒናት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ዘለዎም ሚኒስተራት ክህልዉዎ ይኽእሉ እዮም። ሕድሕድ ሚኒስተር ከም ጸሓፍቲን፣ ናይ ፖለቲካ ኣማኸርቲን ወሃብቲ ቃልን ዝኣመሰሉ ስታፍ ናይ ፖለቲካ ሹመኛታት ኣለዉዎ።
እቶም ካብ ብርኪ ሚኒስትሪ ትሕት ኢሎም ዝርከቡ ዕዮታት ናይቲ ሚኒስትሪ፡ በቲ ምኽትልን ሓጋዚ እቲ ሚኒስተርን ማለት’ውን በቲ ጸሓፊኡ ኣቢሎም እዮም ዝሳለጡ።
ብተወሳኺ፡ ሕድሕድ ሚኒስትሪ ነቶም ናብቲ መንግስቲ ዝቐርቡ ምምሕዳራዊ ዛዕባታት ብዝግባእ ምስላጦም (ምእላዮም) ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ዘለዎ ዋና ስራሕ ኣካያዲ ኣለዎ። ብተወሳኺ’ውን ሕድሕድ ሚኒስትሪ ሕጋዊ እማመታትን ድንጋገታት ናይ ምቕራጽ ሓላፍነት ዘለዎ ናይ ሕጊታት ጉዳይ ዋና ስራሕ መካየዲ ኣለዎ።
መብዛሕትኡ መንግስታዊ ዕዮ፡ በተን ኣብ ውሽጢ እተን ሚኒስትሪታት ብዝርከቡ ሰብ-መዚታት ናይ ጨንፈራትን ክፍልታትን እዩ ዝዳሎ።
ኩለን ሚኒስትሪታት ኣብቲ ዕዮታት ናይ ሕብረት ኣውሮጳ (EU) ዝሳተፋ ኮይነን፡ ካብ ኩለን ሚኒስትሪታት ዝተዋጽኡ ሓለፍቲ ድማ ንሽወደን ወኪሎም ቅድሚ ዋዕላታት ሕብረት ኣውሮጳ ምግባኦም ኣብኡ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት (ዛዕባታት) የዳልዉ።
ሽወደን ካብ ሃገራ ወጻኢ እተሳልጦም ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሚስዮናት (ልኡኽቶታት) ኣለዋ። ኩሎም እቶም ኤምባሲታትን ዝተፋላለዩ ውክልናታትን ኣብዘን ዝተገልጻ ሚስዮናት (ልኡኽቶታት) እዮም ዝምደቡ። እዚኦም ብሓፈሻ ምስቶም ልዕሊ 400 ዝኾኑ ናይ ክብሪ ቆንስላታት እቶም ናይ ሽወደን ናይ ወጻኢ ውክልናታት ዝርከብዎም ሚስዮናት (ልኡኽቶታት) እዮም።