ንግስነት ሱዑዲ ዓረብ፡ ኣብዚ ካብ ዕለት 18 ሓምለ ክሳብ 23 ሓምለ ናይ ዓመተ 2021፡ ዝካየድ ናይ ሓጅ ስነ-ስርዓት፡ ን60 ሽሕ ኣመንቲ እስልምና ከተአንግድ ምዃና ኣፍሊጣ።
እዚ ዓመታዊ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ እስልምና ዝሳተፍዎ ዝነበሩ ስነ-ስርዓት ሓጅ፡ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓመት ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝተወሰነ ብዝሒ ቁጽሪ ክካየድ እዩ። ኣብቲ ዝካየድ ስነስርዓት፡ ክሳተፉ ዝኽእሉ ስዑዳውያን እቶም ዝተኸትቡ ጥራይ ምዃኖም ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝሳተፉ ሓጀጅቲ፡ ንዜግነቶም፡ ዝነብርሉ ቦታን ኩነታት ጥዕነኦም ዝገልጽ ሓበሬታ ዝሓዘለ ዲጂታላዊ ካርድ (መንነት) ክወሃቦም እዩ። ኣብ ምጉዕዓዝ ኣሳልጦ ንኽህሉ ድማ ናይ ሞባይል ኣፕሊከሽን ተዳልዩ ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብቲ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ዓንድታት ሃይማኖት እስልምና ዝኾነ ሓጅ፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ ይዝከር።