ኣብ ሽወደን፡ ብዙሕ ማይ ኣሎ። እቲ ብቡምባ ዝመጽእ ማይ፡ ጽርየቱ ኣተኣማማኒ’ዩ። ዝበዝሕ እዋን፡ ካብ’ቲ ብጎማ ገዚእካ እትሰትዮ ማይ ከይተረፈ ይበልጽ። ግን ከኣ፡ ዝሑል ማይ ቡምባ ጥራይ’ዩ ጽሩይ። እቲ ውዑይ ማይ ብሰንኪ’ቲ ዝመሓላለፈሉ ሻምብቆታት፡ ረሳሕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስለዚ ውዑይ ማይ ቡምባ፡ ክትሰትዮ ኮነ መግቢ ክትሰርሓሉ የብልካን። ማይ፡ ብሻምብቆታት ኣቢሉ ናብ መጻረዪ ቦታ ይኸይድ። ምስተጻረየ ድማ፡ እቲ ተረፍ ኣብ ባሕሪ ይኣቱ። ኩሉ ማይ ኣይጻረን’ዩ። ኩሉ ማይ ካብ መርዛም ባእታ ንምጽራይ ብርቱዕ’ዩ። ስለዚ ኣብ ማይ እንታይ ከም ነፍስስ ከነስተብህልን ጥንቃቐ ከነዘውትርን ይግብኣና።
ኣብ መተሓላለፊ ረሳሕ ማይ እንታይ ይኣቱ?
ኣብ መተሓላለፊ ርስሓት፡ ማለት ሽቓቕ ክጉሓፍ ዝግበኦ ርስሓት፡ መሕሰሲ ንጥቀመሉ ወረቐት ሽቓቕን ካብ ኣካላትና ዝወጽእ ርስሓትን’ዩ። ናይ ሽቃቕ ወረቐት፡ ብማይ ዝሓቅቕ ፍሉይ ወረቐት’ዩ። ካልእ ወረቓቕቲ፡ ንኣብነት ወረቐት ክሽነ፡ መሕሰሲ ኢድ ትርኩስ ሶፍቲ፡ ኣብ ሽቓቕ ዘሎ መሕሰሲ ኢድ ሶፍቲ፡ ንሻምብቆታት መተሓላለፊ ረሳሕ ፈሳሲ ክዓብሶ ይኽእል’ዩ። ማይ ኣብ ምጽራይ ድማ ጸገም ክፈጥር ይኽእል።
ሻምብቆ ረሳሕ ማይ ካብ መርዛማት ከሚካላት ነጻ ምእንቲ ክኸውን፡ ንኸባቢ ዘይጓድኡ ፍርያት ክትገዝኡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት ክዳን ወይ ኣቑሑ ንመሕጸቢ ዘገልግሉ ፈሰስቲ ብዝምልከት ክልተ ዓይነት ምልክታት ‘ስቫነን’ (Svanen) ወይ’ብሮ ሚልዮቫል’ (Bra miljöval) ዘሎዎም ኣለዉ። መሳርሒታት ሕክምና ወይ መድሃኒት፡ ብፍጹም ኣብ ሻምብቆ ረሳሕ ማይ ክድርበዩ ወይ’ውን ምስ ጎሓፍ ገዛ ክሕወሱ የብሎምን። ዘየድልዩኹም መድሃኒታት ኣብ ፋርማሲ ኬድኩም ክትጉሕፉዎም ኣለኩም። ኣብ ፋርማሲታት፡ ንመደርበዪ መድሃኒታት ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሉይ ፌስታላት ኣለኩም።
ምንጪ: information om sverige