እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ፡ ኣብ ሕጊ ፍትሒ ዕድጊ ኤውሮጳ (Financial fair play) ብዝገበረቶ ከቢድ ጥሕሰት ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት (2020/21ን 2021/22ን) ኣብቲ ውድድር ንከይትሳተፍ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ቀጺዕዋ። ብዘይካ’ዚ 30 ሚልዮን ኤሮ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ውን ተበይንዋ።
እቲ ክለብ ብወገኑ በቲ ”ኣድሎኣዊ” ዝበሎ ውሳነ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ “ሓዚነ እምበር ኣይተገረምኩን” ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይግባይ ከምዝሓትት ሓቢሩ ኣሎ።
ምንቅስቓስ ገንዘብ እተን ክለባት ዝቆጻጸር ኣካል ማንችስተር ሲቲ ” ካብ 2012 ክሳብ 2016 ብስፖንሰር ዝረኸቦ ኣታውን ዓይኒ ዋንኡን ኣጋኒኑ ናብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ከምዘቕረበን፡ ምርመራ ንምግባር ‘ውን ክተሓባበር ፍቓደኛ ከምዘይነበረን” ገሊጹ ኣሉ።
እቲ ክለብ ካብቲ ኣብ ፕሪሜር ሊግ ኣኪብዎ ዘሎ ነጥቢ ‘ውን ከጉድለሉ ከምዝኽእል ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ እግድ ንጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ማንችስተር ሲቲ ኣይምልከትን።
ፕረዚደንት ላ ሊጋ፡ ዣቬር ቴባስ “ኣብ መወዳእታ ወሳናይ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ” ብምባል ንውሳነ ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ንኢዱ።
እቲ ፕረዚደንት ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ እንግሊዛዊት ክለብ ማንችስተር ሲቲን ፈረንሳዊት ክለብ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ቅጽዓት ክውሰድ እናጸወዐ ጸኒሑ ነይሩ እዩ።