ድሕሪ መፋርቕ 1960’ታት፡ ተሳትፎ መጠን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብቕልጡፍ እንዳወሰኸ ዝመጸ ኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ብዝኾነ መጠን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊረን ይርከባ።
ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፋላለዩ ንጥፈታት ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ሚዛን ናይ ስልጣንን ጽልዋታትን ክሳብ ሕጂ ኣይተመጣጠነን ዘሎ። ፖለቲካ፡ ካብቶም ክልቲኦም ጾታታት ብማዕረ ዕድል ዝሳተፉሎም ንጥፈታት እቲ ዝዓበየ ክፋል እዩ። ኣብ ባይቶ ሽወደን ዘሎ መጠን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብሚእታዊት ክምዘን እንከሎ 45% ክኸውን ከሎ፡ ናይቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ 55% እዩ።
ኣብ ሳይንስ፣ ባህሊ፣ መራኸቢ ብዙሃን፡ ቤተ ክርስትያን ሽወደንን ንግድን ኣብ ዝኣመሰሉ ጽላታት፡ ብዝሒ ናይተን ኣብ መሪሕነት ደረጃ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝዋሓደ እዩ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተወሰኑ ለውጥታት እኳ እንተ ሃለዉ፡ እቲ ናይ ዋኒን (ቢዝነስ) ንጥፈታት ግን ብዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ዝተሓዝአ እዩ።