ባይቶ ሽወደንን ሃገራዊን ዞባዊን ብርኪታት ናይ መንግስታዊ ምሕደራታትን ብኹሎም፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኸየጋጥም ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም።
ናይ መንግስቲ ናይ ነዊሕ እዋን ውጥን ድማ፡ ዘይተጓደለ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሽወደን ምርግጋጽ እዩ።
ኣብ ሽወደን፡ ሰብኣዊ መሰላት ብቐዳምነት በቲ ቅዋምን ካልኦት ሕግታትን ኣቢሉ እዩ ዝሕሎ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ዋዕላ ኣውሮጳውያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ፡ ኣብ ሽወደን’ውን ከም ሕጊ ኮይኑ ካብ ዓመተ 1995 ዓ.ም ንነጀው ተግባራዊ ኮይኑ እዩ። ብዘይካ እዚኦም’ውን ካልኦት ዓለምለኻዊ መንግስታዊ ስምምዓት ዘጽደቑዎም ሰብኣዊ መሰላት ተግባራዊ ይኾኑ እዮም።
መንግስቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላውን ንምትግባርን ዝገብሮም ጻዕሪታት ኣብ ኩሎም ሃገራውያን ኮኑ ኣብ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሰሪጾም ይርከቡ። እቲ ማእከላይ መንግስቲ፣ ናይ ከተማታት ምሕደራታትን ዞባውያን ቤት ጽሕፈታትን፡
- ሓሳብካ ምግላጽን ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናጽነትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መሰላት የረጋግጽ፥
- ንሰባት ካብ ስቅያትን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ዝኣመሰሉ ግህሰታት ናይ መሰል ይሕልዎም፥
- ኣባይቲን ትምህርቲን ናይ ምርካብ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ድልየታት ህዝቢ የማልእ፥
- ጾታዊ ዝንባለ/ባህጊ፣ ዕድመ፥ ናይ ኣካል ጉድኣት፣ ሃይማኖት፣ ዓሌት ወይ ድማ ጾታ መሰረት ዝገበረ ኣድሉዎ ኣብ ልዕሊ ሰባት ንኸየጋጥም ይቃለስ።