ሃገረ ማልታ፡ ካናቢስ ንዝተባህለ ዕጸ ፋርስ፡ ሕጋዊ ዝገብረት ቀዳመይቲ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኮይና’ላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
በዚ ድማ ካናቢስ ምዝራእ ከምኡውን ኣብ ውልቃዊ ተጠቃምነት ምውዓል ሕጋዊ ክኸውን እዩ።
ባይቶ እታ ሃገር፡ ትማል ሰሉስ ኣብ ዘሕለፎ ድምጺ፡ 36 ደገፍ ብ 27 ተቓውሞ እቲ ዕጸፋርስ ሕጋዊ ተጠቃምነት ክህልዎ ተወሲኑ’ሎ። ዕድሜኦም ዝኣኸሉ ሰባት፡ ክሳብ ሸውዓተ ግራም ካናቢስ ክሕዙ ከምኡውን ኣብ ቤቶም ክሳብ ኣርባዕተ ኣትክልቲ ክተኽሉ ክፍቀዶም እዩ።
እንተኾነ ግና ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኮነ ቆልዑ ኣብ ዘለዉዎ ከባቢታት ምትካኽ ክልኲል ክኸውን እዩ።
ኣብ ኣውሮጳ ጀርመን፡ ላክሰምበርግን ስዊትዘርላንድን ተመሳሳሊ ሕጊ ንምትእትታው ኣብ ምቅርራብ ከም ዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሃገረ ሆላንድ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ምጥቃም ካናቢስ ሸለል ከም እትብል ጸብጻባት የመልክቱ።