ኣብ ደኒማርክ ዝመደበሩ: ኣብ ሽወደን ጨንፈር ዘለዎ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰላምን ምሕዝነትን “ምእንቲ ኲናት ደው ክብልን ሰላም ክሰፍንን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ መበል 11 ዓመቱ ዘብዕለሉ ዓመታዊ ጉባኤኡ ዕለት 05/10/2019 ልክዕ ሰዓት 1:00 ድቐ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ማልሞ ዝርከብ ኣደራሸ ኢሽታር ከሰላስል እዩ። ኣብቲ ጉባኤ: ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣካየድትን እቲ ማሕበር ከምኡ ውን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ሃገራውያንን ኣህጉራውያን ሰብኣዊ ማሕበራትን ተጣበቕቲ መሰላትን ብተወሳኺ ድማ ፖለቲከኛታትን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ግዱሳትን ክርከቡ ትጽቢት ይግበር።
ኣህጉራዊ ማሕበር ሰላምን ምሕዝነትን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣህጉራውያን ምትእኽኻባት ኣብ ደኒማርክ እዩ። ኣብ 33 ሃገራት ብደረጃ ወግዓውያን ጨናፍር: ልኡኻት: ናይ ሰላም ኣምባሳደራት ወይ ድማ ኣባላት ማሕበር ይነጥፍ። እዚ ማሕበር ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመ: ጾታን ሃይማኖትን ዝሓቖፈ እዩ። እዚ ማሕበር ብ 8/8/2008 ኣብ ንግስነት ደኒማርክ እትርከብ ኣርሁስ ዝተባህለት ከተማ ዝተመስረተ ብሕታዊ ማሕበር እዩ። ጠቕላሊ ምምሕዳር ማሕበር ኣብ ከተማ ኢንበ: ሽወደን ይርከብ።
ንወለንታዊ ስራሕን ሓገዛትን ከወፍዩ ንዝደልዩ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላት ዘተባበዕን ኣንጻር ጥሩፍነት: ግብረ ሽበራን ዘይተጻዋርነት እናተቃለሰ መንፈስ ፍቕሪ: ተጻዋርነትን ሰላምን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ንምዝርጋሕ ዝነጥፍ እዩ። ካብ ዕላማታት እዚ ማሕበር: ብቐጻሊ ስራሕ: ንምዕባለ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየዱ ንጥፈታትን ወለንታዊ ሰራሓትን: ደገፍ ንምብርካትን ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዓለም ምዑርይን ዝሓሸ ሂወት ንምፍጣር እዩ።