ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ቊጠባ ትንበያ ቊጠባ እታ ሃገር የንቈልቊል ምህላዉ ኣመልኪቱ። ሚኒስተር ፋይናንስ ማግዳሊን ኣንደርሰን ኣህጒራዊ ምዝሕታል ቊጠባ ንሽወደን ይጸልዋ ምህላዉን ን ዕንቅፋታት ንኣህጒራዊ ንግድን ኣብ መንጐ ኣመሪካ ቻይናን ኢራንን ዘሎ ቅልውላው ከኣ ነዚ የጋድዶ ምህላዉ ገሊጻ። ኣብቲ ዝዓበየ ቊጠባ ኣፍሪቃ ማለት ጀርመን ብፍላይ ኣብ ኢንዱስትሪ መኻይን ተመሳሳሊ ምዝሕታል ቊጠባ ምህላዉ’ውን ጠቒሳ፡ ሓፈሻዊ እቶት ሽወደን ኣብዚ ዓመት ብ 1.1 ዝመጽእ ዓመት ክኣ ብ 1.6 ሚእታዊት እዩ ክዓቢ ተባሂሉ’ሎ።
እዚ እናኾነ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እታ ሚኒስተር ኣብ ሽወደን መጠን ደለይቲ ስራሕ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ብምውሳኽ ናብ 7 ሚእታዊት ክበጽሕ እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ’ውን ገሊጻ’ላ። እዚ ይዂንምበር እታ ሚኒስተር ኲነታት እንተኸፊኡ ነቲ ቊጠባ ንምብርባር ዘኽእሉ ምቹኣት ኲነታት ምህላዎም ንሽወድናውያን መረጋገጺ ሂባላ። ገለ ካብዚ ምጒዳል ቀረጽ ከም ኣብነት ተጠቒሱ’ሎ።