ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣመሪካ ኣብ ኣርክቲክ ብዘለዋ ፖሊሲ ብትሪ ወቒሱዋ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ዓመት ምልዋጥ ክሊማ ምኽንያት ብምግባር ንዝተኸተመ ሰነድ ምፍራም ምእባያ ይዝከር። ምስ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ዎልስትሮም ብዛዕባ ቅዋም ኣመሪካ ኣብዚ ጒዳይ ከም ዘሻቐሎን፥ ተገዳስነት ኣመሪካ ኣብ ጥዕና ኣከባቢ ዘይኮነ ኣብ ጸጥታዊ ጒዳያት ጥራይ ዝተደረተ ምዃኑ ምስትውዓሉ እውን ገሊጹ’ሎ።
እተን ቆንስል ኣርክቲክ ተባሂለን ዝፍለጣ ሸሞንተ ዶባት ኣርክቲክ ኣብ ወርሓ ግንቦት ኣብ ዞባ ቶቫኔሚ ፊንላንድ ተራኺቦም ንዝመጻ ክልተ ዓመት ዝኸውንን ኣብ ጒዳይ ዕቀባ ኣከባቢ ዝምልከት ኣጀንዳ ክነድፉ ምስምማዖም ዝዝከር እዩ። ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኣርክቲክ ዝርከብ ገዚፍ ናይ ማዕድን ሃብትን ናይ ንግድ ዕቚር ተኽእሎን እንተዘይኮይኑ ኣብ ጽልዋ ከባቢ ዘይምትኳራ ኸኣ’ዩ እቲ ወቐሳ ክስዕብ ዝገበረ።፡