![anaaa](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2020/05/anaaa.jpg)
Claudio Bresciani / TT / Kod 10090
ምኽፋት ዶብ ቢንቶ ኦረሱንድ ኣገዳሲር ምዃኑ እኳ እንተተሰማምዑ ንሱ ዘስዕቦ ህሉው ሽግራት ንምፍታሕ ምስ ዴንማርክ ኣብ ዘተ ምህላዎም ኣና ሊንድ ሓቢራ። ሊንድ ቅድሚ ፍርቂ ሰዓት ዘተ ምግባራን ነዚ ውሳነ ብህጹጽ ኣብ ምትግባር ብዛዕባ ዝከኣለሉ ኣገባብ ይዝተ ምህላዉ SVT ጸብጺቡ። ኔርወይን ዴንማርክን ዶባተን ክኸፍታ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ዴንማርክ ምስ ጀርመንን ኣይስላንድን ዘሎ ወሰና ትኸፍቶ እነተኾነ ግና ንሽወደን ኣብዚ ዘይምጽንባራ ተገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዴንማርክ ሚት ፍሪድሪድሽን ብዛዕባዚ እንከረድእ” እቲ ምኽንያት ገዚፍ ፍልልያት ኣሃዛት ለበዳ ሃገራት ዘምጽኦ እዩ” ምባላን ብዛዕባዚ ብድሆ ምስ ሽወደን ኣብ ምዝርራብ ምህላዋን ጠቒሳ’ላ። “ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ሓባራዊ ፍታሕ ከድልየና እዩ ዝበለት ሊንዲ ሕጂ ግና ብዙሕ ኣድላዪ ኣይኮነን፡ ምስ ዴንማርክ ኖርዌይ ኣይስላንድን ፊንላንድን ኣገደስቲ እማመታት ብምልዓል ዘትር ጌርና ኣሎና” ዝበለት ሊንድ”ኣብ ዶባት ብዙሕ ገልታዕታዕ ምህላዉ ፍሉጥ እዩ” ክትብል ትዕዝብታ ኣንቢራ’ላ።