መንግስቲ ሽወደን ነቲ ብምኽንያት ን6 ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝተኸሰሱ ሰባት ምልቃቕ ዝዘነቦ ነቐፌታታት መልሲ ሂብሉ። ካብ ቀይዲ ክልቀቑ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድሕሪ ናይ ምጥራዝ ፈተን ምፍሻሉ ቀጺሉ እኹል ዝኾነ ናይ ሕጊ ቀረብ ብዘይ ምርካቦም እዩ። መንግስቲ ሽወደን ነዞም ክሱሳት ክጥርዞም ኣብ ዝወሰነሉ እዋን ብወገን ቤት ፍርዲ ግን ካልእ ሕጋዊ ርእይቶ ነይርዎ፡ እዚ ድማ፡ መንግስቲ ሽወደን በቲ ዓለማዊ ሕጊ ትቅየድ ሃገር ስለዝኾነት፡ ንዝኾነ ዜጋ ናብቲ ናይ ሞትን ስቓይን ስግኣት ዝፈጥረሉ ሃገር ክትመልሶ ከምዘየፍቅደላን ሽወደን ድማ በዚ ሕጊ ክትቅየድ ከም ዘለዋ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡
ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። መንግስቲ ነዞም ክሱሳት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከተጽንሖም ከምዘይትኽእል እቲ ሕጊ ከም ዝግድዳ ዳምቤሪ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዞም ሽዱሽተ ክሱሳት ቅድሚ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ብመርበብ ስለላ ሽወደን ከምዝተታሕዙን ንክጥርዝዎም ዝገበርዎ ጻዕሪ ምስ ፈሸለ ፋይላቶም ናብ ማእከላይ መንግስቲ ከምዝሰጋገር ተገይሩ። ዝምልከቶም ሰብ ስልጣን ሽወደን ንፍሉይ ሕጊ ምክትታል ወጻእተኛታት (LSU) ምርኩስ ብምግባር ነቲ ናይ ምጥራዝ ውሳኔ ወሲዶሞ። እዞም ሰባት’ዚኣቶም ኣብ ሰሙን ገለ መዓልታት ቦታ ህላውነቶም ንፖሊስ ክሕብሩ ይግደዱ። ሓደ ካብዞም ክሱሳት ካብ ሽወደን ናብ ካልእ ሃገር ከም ዝሃደመ ጋዜጣዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።