ቀዳመይቲ እመቤት ነበር ሚሸል ኣቦማ: ንፍርዲ ሾቪንን ምንቅስቓስ ብላክ ላይቭስ ማተር ኣመልኪታ ምስ ተሌቪዥን CBS ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት: ጸለምቲ ወለዲ ኣብ ልብና ፍርሂ ኣሎና ክትብል ገሊጻ።
ንሳ ደቀይ ብሕብሪ ቆርበተን ግፍዒ ከይወርደን ሻቕላ ኣሎኒ ኢላ።
ሾቪን: ፍርዱ ብምርካቡ ብሩፍታ እኳ እንተ ኣተንፈስና: ገና ብዙሕ ስራሕ ይጽበየና ምህላዉ ግና ክንስሕቶ የብልናን። ደሓን ከምዚ የጋጥም እዩ ኢልና ከም ንቡር ነገር ክንወስዶ የብልናን ክትብል ድማ ተማሕጺና።
“ርግጽ’ዩ: ጸለምቲ ማሕበረሰብ: ከምዚ ከም ዘይብሉ እፈልጥ እየ። ምኽንያቱ ኣብ ልብና ፍርሂ ኣሎና። ናብ ዱካን ግሮሰሪ ክንከይድ እንከሎና..ደቅና ብመኪና ንበይነን እንክንቀሳቐሳ እንታይ ይገጥመን ምህላዉ ኣይንፈልጥን ኢና..ብዛዕባዚ ምዝርራብ ከድለይና እዩ ኢላ።