ኣብ ዝሓለፈ 15 ነሓሰ፡ ጣሊባን ናብ ከተማ ካቡል ድሕሪ ምእታዎም፡ ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረን መንግስታዊ ስራሕ ከም ዝሰኣና ዝፍለጥ እዩ።
ጣሊባን ትርር ዝበለ ኣተራጒማ እስልምና ኣብ ትግባረ ከውዕል ዝፍትን ጒጅለ ምስ ምዃኑ፡ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ብተዛማዲ ሊበራላዊ መንግስቲ ዘስተማቕራኦ ዝነበራ መሰላት ክስእና ተጌረን ኣለዋ።
ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምምጻእ ጣሊባን ህይወተን ብኸመይ ክቕየር ከም ዝጀመረ ዘርኢ መዝገብ መዓልታዊ ዝኽረን ናብ ቢቢሲ ልኢኸን ኣለዋ።
ኣባል ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ዝነበረት፡ ማሪ፡ ኣብታ መዓልቲ ናብ ስርሓ ክትከይድ እናተዳለወት ጎደናታት ጸው ኢሉ ምትራፉ እኳ እንተገረማ ናብ ስርሓ ትበጽሕ። እንተኾነ ግና ቦርሳኣ ናብ ጣውላኣ ቅድሚ ምቕማጣ እቲ ኣብኡ ዝጸንሓ ሰብኣይ ደጊም ከምዚ ዝበለ ስራሕ ክዓያ ከም ዘይፍቀደለን “ንሳን ካልኦትን ደቀንስትዮ ንቤተን ክፋነዋ” ከም ዝኣዘዛን ትገልጽ።
ኣብታ መዓልቲ፡ ናጽነታ ዝሰኣነት ኻተራ ዝተባህለት መምህር ድማ ከምዚ ትብል፥ ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ክግዕዙ ርእየ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ሃተምተም እናበሉ ናብ ተመሳሳሊ ኣንፈት ክኸዱ ምስ ረኣየት “እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ” ኢላ ሓተተት። “ኣይሰማዕክን ዲኺ!? ጣሊባን ንካቡል ኣትዮም እኳዩ ዝበሃል ዘሎ..” ዝብል መልሲ ተዋህባ። በዚ ድማ እዛ ናይ ጂኦግራፊ መምህር ደጊም እትፈትዎ ሞያ ክትሰርሕ ከም ዘይፍቀደላ ተረድኣ።
ናይ ሕጊ ተመራቒት ጓል 31፡ ዋሒዳ ኣምሪ፡ እውን ብምምጻእ ጣሊባን ሕልማ ከም ዝበርዓና ትገልጽ። ንሳ ኣብ ቤተንባብ ካቡል 5000 መጻሕፍቲ ብምእካብ ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ምንባብ ባህሊ ክዕንብብ ብዓብዪ ትግሃት እያ ትሰርሕ ኔራ። “ኦሮማይ ኣፍጋኒስታን ዓንያ እያ” ብምባል ድማ ብምረት ቃዘነት።