መንግስቲ ዝሸሞ ኣወሃሃዲ ሪቻርድ በርግስትሮም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሽወደን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኮሮና ክታበት ክህልዋ ከም ዝኽእልን ክሳብ ምዝዛም እዚ ዓመት እዚ ግብራዊ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊጹ ክብል SVT ሎሚ ሓቢሩ።
“ድሕሪ ለበዳታት ሳርስን ኢቦላን፡ ሳለ እተኸስተ ምዕባለ ሳይንስ፡ ምህዞ ክታበት ኮሮና ብዝለዓለ ፍጥነት ይግስግስ ምህላዉ” ዝገለጸ በርግስትሮም፡ ንፈተነ ዝቐረቡ ክታበታት ምህላዎምን ክሳብ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ ድማ ግዜ ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ።
“እዚ ይኹን እምበር እዚ ክታበት ኮሮና ክሳብ ምዝዛም እዚ ዓመት ኣብ ዕዳጋ ክውዕል ከምዝኽእል ይግመት። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ከኣ ብዘተኣማምን ደረጃ ኣብ ዕዳጋ ክንረኽቦ ኢና” ክብል ወሲኹ።
ንሱ፡ እቲ ዝቐርብ መጠን ብዝሒ መድሃኒት ኣብ ፈለማ ዝተወሰነ ከም ዝኽውን ድሕሪ ምምልካት ናብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ እዩ ኢሉ።
እዚ ብሰሉስ ብመንግስቲ እተሸመ ኣወሃሃዲ፡ ሽወደን ክታበት ኮሮና ንምውናን ዘድልያ ውጥን ትግባረ ንምጽፋፍ ዕማሙ ዝገበረ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።
በርግስትሮም ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዳይረክተር ኢንዱስትሪ መድሃኒት ኮይኑ ዝሰርሐ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ሕጂ ኣብ ምክትታል ዓበይቲ ፕሮጀክታት መድሃኒት ዝዓዪ ክኢላ እዩ።
ኣየናይ ፕሮጀክት ዝያዳ ዘተኣማምን ክታበት ከም ዘፍሪ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ” ክታበት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣድማዕነት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ክታበት ድሕሪ ምምሃዙ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣየኖት ክፋላት ሕብረተሰብ ዝያዳ ቀዳምነት ከም ዝወሃቦም መጽናዕቲ ከካይድ ክሳብ 31 ነሓሰ/2020 ናይ ግዜ ገደብ ከም እተዋህቦ ዝፍለጥ እዩ።