ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስተፋን ሎቪን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ ሚት ፍሪድሪክሰን ኣብ ስቶክሆልም ዝተገብረ ኣኼባ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ናይ ጸጥታ መርበባት ሓበሬታ ክለዋወጡን ብኣድማዕነት ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሮም። ክልቲአን ሃገራት ሓባራዊ ኣሃዱ ብምቛም ነቲ ኣብ ዶብ ዝካየድ ዝተወደበ ገበናት (ወንጀል) ክቃለሳን፡ ንዝመሓላለፍ ሓበሬታን መረዲኢታትን ብሓባር ንኽፈትሓን ዘኽእል ምዃኑ ሎቪን ይሕብር።
ዝቕጽል ወርሒ ሕዳር ነቲ ምስ ሽወደን ዝራኽባ ዶብ ተወሳኺ ሓዲሽ ናይ ምቁጽጻር ኣገባባት ከተተኣታቱ ምዃና ዴኒማርክ ትሕብር። ምኽንያቱ ብዙሓት ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ብዝፈጸምዎ ገበን ዝድለዩ ሰባት ናብ ዴኒማርክ ብቐሊሉ ስለዝሰግሩ ዘለዉ እዩ። እዚ ሓድሽ ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ፡ ጽኑዕ ዝኾነ ናይ መንነት ምልላይ ኣገባብን ናይ መገሻ ዶክመንት ምጽራይን ዘጠቓለለ ኮይኑ ንኹሎም ካብ ሽወደን ብመንገዲ ባሕርን ባቡርን ዝመጹ ገያሾ ዝምልከት እዩ።
እተን ወረቓቕቶም ክርእዩለን ዝግበኦም ኑቕጣታት ድማ እዘን ዝስዕባ እየን
፦ • ቢንቶ ኦሬሳንድስብሩን Öresundsbron • ግሪያኖ Grenå • ሮንነ Rönne • ሄልሲኞር Helsingör