ዝነኣሰ ወርሓዊ ደሞዝ ናይቶም ፍቓድ ስራሕ ተዋሂብዎም ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ብዕጽፊ
ብምውሳኽ፥ ናብ 26,560 ክብ ከም ዘብሎ መንግስቲ ሎሚ ገሊጹ። በዚ ድማ እቲ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወጻኢ ንዝመጹ
ሰራሕተኛታት ተበዪኑ ዝጸንሐ ንኡስ ወርሓዊ ናይ 13,000 ክሮና ረቛሒ፥ በዚ ክትካእ ተጌሩ ምህላዉ ሚኒሰተር ስደተኛታት
ማርያ ማልመር ስተነግራድ ገሊጻ። እዚ ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ብምልዛብ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ደሞዝ፥ ካብ ባሕቲ
ጥቅምቲ ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።
“ካብ ካልእ ክፋል ዓለም ዝመጹ ሰባት ብ 13,000 ክሮና ንወርሒ ክሰርሑ ክኸውን ምኽንያታዊ ኣይኮነን” ክትብል ማርያ
ስተነጋድ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን መንግስቲ ዘቖማ ሰልፊታት ከምኡ’ውን ደሞክራትና እተበጽሐ “ውዕል
ቲዶ”፥ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ናብ ሽወደን ንምስሓብ፥ ኣስራሕቲ ምስ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኣሃዝ–ማለት 33,000 ክሮና ዝቀራረብ
ደሞዝ ንሰራሕተኛታቶም ክኸፍሉ ይግደዱ እዮም።
“25,560 ክሮና ሕጂ’ውን ምስ ኣብ ውዕል ቲዶ ዘቐመጥናዮ ሸቶ እንክወዳደር ጎደሎ እዩ፥ እንተኾነ ግና ኣብ ቀጻሊ ናብቲ ልክዕ
ኣሃዝ ክንግስግስ ኢና” ክብል ኣብ እዋን ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ጎድኒ ሚኒስተር ስደተኛታት ስተነጋድ ደው ኢሉ ዝነበረ ኣባል ሰልፊ
ደሞክራትና ማግኑስ ፐርሾን ኣመልኪቱ።
እዚ ወሰኽ ደሞዝ፥ ኣገዳሲ ክፋል ናይቲ ኣብ ዓውዲ ኢሚግሬሽን ዘተኣታቶ ዘሎ ምቕያር ዝጸንሐ ኣካይዳ እዩ ዝበለት ስተነግራድ፥
“ዕላማ እዚ ወሰኽ ምስ ትሑት ክኢላዊ ዓቕሚ ዘለዎም ስደተኛታት እተኣሳሰረ ገበን ንምጒዳል፥ ከምኡ’ውን ድሮ ኣብ ሽወደን
ዘለዉን ነብሶም ዘይከኣሉን ስደተኛታት ናብዚ ስራሕ ክኣትዉን ንምትብባዕ” ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።