መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መስተ ሰትዮም ተሽከርከርቲ ዝዝውሩ መራሕቲ መካይን፡ ዝተረር መቕጻዕቲ ክብየነሎም ዘኽእል እማመ ይነድፍ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ዘሎ ኩነታት ቅቡል ኣይኮነን ክብል፡ ሚኒስተር ፍትሕን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝኾነ ሞርጋን ዮሃንሶን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ መስተ ሰቲኻ መኪና ምዝዋር፡ ከም ከቢድ ገበን ክቑጸር ክብል ኣቕሪብዎ ኣሎ።
“ገለ መራሕቲ መካይን፡ ብተደጋጋሚ ብዝፍጽምዎ ናይ ትራፊክ ጥሕሰታት፡ ንካልኦት ሰባት፡ ብተደጋጋሚ ንናይ ሞት ሓደጋ ከቃልዕዎም ይረኣዩ እዮም። ሕብረትሰብ ድማ ኣንጻር እዞም ገበናት፡ ተሪር ግብረመልሲ ንኽህበሎም ዘኽእሎ መሳርሒታት ክጥቀመሎም ኣለዎ ክብል ዮሃንሶን ሓቢሩ።
ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፡ ዝለዓለ ፍርዲ ንሓደገኛ ዘይሕጋዊ ምዝዋር መኪና ብዝምልከት፡ ካብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ናብ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ምድያብ ‘ዩ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ብመስተ ሰኪሩ ወይ ብዘይ መመርሒ ፍቓድ ምስ ዝዝውር፣ ብናይ ፖሊስ ቐጥታዊ ምትእትታው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ይከኣል ማለት ‘ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፣ እቲ መንግስቲ ዝለዓለ ፍርዲ ንሓደገኛ ብመስተ ሰኪርካ ምዝዋር፣ ካብ ናይ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ናብ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ክብ ከብሎ ከም ዝደሊ ተፈሊጡ።
እዚ እማመ፡ ብባይቶ ሽወደን ተራእዩ ምስ ዝጸድቕ፡ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2023 ጀሚሩ፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።