መንግስቲ፥ ን ዩክሬናውያን ዝወሃብ ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ንምምዋል፡ ንምምሕዳራት ከተማ 100 ሚልዮን ክሮና ክቕርበለን
ምዃኑ ሚኒስተር ሽቕለትን ምህሃድን ዮሃን ፐርሾን፥ ከምኡውን ሚኒስተር ትምህርቲ ማትስ ፐርሾን ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃብዎ
ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣፍሊጦም።
"ን ስደተኛታት ዩክሬይን ሽወደንኛ ዝወሃበሉ ኣገባብ ከነመሓይሽን ኣብ ሸወደን ክሰርሑን ዕድል ምሃብ ኣገዳሲ እዩ’ ክብል
ሚኒስተር ሽቕለትን ምህሃድን ዮሃን ፐርሾን (ካብ ሰልፊ ሊበራል) ገሊጹ’ሎ።
እዚ 100 ሚልዮን ክሮና ድሕሪ ምጽዳቕ ባጀት ጽድያ ብ “ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ን 2023” ኣቢሉ ክመቓራሕ ፥ ኣድላዪ
ኮይኑ እንተተረኺቡ ኸኣ ን 2024 እውን ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ገንዘብ ናብ “ኮርሳት ሽወደንኛ ንወጻእተኛታት”
ክኸይድ እዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ከምዚ ዓይነት ኮርስ ን ዩክሬናውያን ክወሃብ ዘይምጽንሑ፡ ኣብ ክንዳኡ እቲ ንዂሎም ስደተኛታት
ዝወሃብ “ሽወደንኛ ካብ ቀዳማይ መዓልቲ” ዝተሰምየ ትምህርቲ ጥራይ ክወስዱ ምጽንሖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።
39 ካብ 290 ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ብገዛእ ገንዘበን ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ን ዩክሬናውያን ክምውላ ምጽንሐን
መንግስቲ ገሊጹ’ሎ። ፐርሾን ነዚ ተበግሶአን ድሕሪ ምንኣድ፥ ካብ ሕጂ ንደሓር ግና ምወላ ክግበረለን እዩ” ክብል ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን ኣስታት 40 ሽሕ ዩክሬናውያን ከም ዝነብሩ ዮሃን ፐርሶን ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ’ሎ።