መንግስቲ ሽወደን፡ ቊጽሪ ቶዃሉ ኣጸቢቑ ክጐድል ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ሽወደን፡ ክሳብ 400 ዝኾኑ ቶዃሉ ከም ዘለዉዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኣመና ዓብዪ ቊጽሪ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ገጠር ኣና ሳዘርበርግ፡ ከምኡውን ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ሻቕላኦም ገሊጾም ኣለዉ። በዚ ድማ፡ መንግስቲ ሽወደን ቊጽሪ ቶዃሉ እታ ሃገር ብምግምጋም፡ ክንደይ ዝኣክል ክነብሩ ንኽፈቅድ፡ ን ንኤጀንሲ ሓለዋ ኣከባቢ ሓላፍነት ሂቡ’ሎ–ብመሰረት ጸብጻብ SVT።