ኣብ ዕዳጋታት መድሃኒት ቅልውላው ንኸየጋጥም ብምባል መንግስቲ ሽወደን ነቲ ካብ ፋርማሲ ዝሃልኽ መድሃኒታት ቀይዲ ክገብረሉ ሎሚ ንግሆ ወሲኑ። ፋርማሲታት ንሕሙማት ክሸጣሎም ዝጸናሓ ናይ ሓደ ዓመት መድሃኒት ተሪፉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል መድሃኒት ጥራይ ክሸጣሎም ከምዘለወን እዚ ሓድሽ ውሳነ ይእዝዝ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢራ።
ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ዓመት ዝኣክል መድሃኒት ዝወስድ ዝፍቀዶ ዝነበረ በዚ ሓድሽ ውሳነ ግን ኣብ ሓደ እዋን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣኽሎ መድሃኒት ጥራይ ክገዝእ ከምዝፍቀዶ ተወሲኑ ማለት እዩ። ኣብ ፋርማሲታት ሕጽረትን ቅልውላውን ናይ መድሃኒት ንኸይፍጠር በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ሕሙማት ኣብ ገዝኦም መድሃኒት ንኸይዓቕሩ በቲ ካልእ ሸነኽ ካብ ዕላማ ናይዚ ውሳነ ምዃኑ እታ ሚኒስተር ብተውሳኺ ትገልጽ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን ዝተራእየ ሕጽረት መድሃኒት ከምዘየለ እታ ሚኒስተር ገሊጻ።